ኤርትራ

ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ፥ብሃገራት ቱርኪን ግብጽን ክትግዛእ ድሕሪ ምጽናሕ ብጥሪ 1 1890 ግዝ እቲ ሃገር ናይ ኢጣልያ ብምዃን ብወግዒ ዶባታ ዝተሓንጸጸ ሃገር እያ።ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ ካብ 1941 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ 1952 ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቖሪና።ብ1962 ኢትዮጵያ ነቲ ስማዊ ፈደረሽን ብምፍራስ፥ኤርትራ ብወግዒ ግዝእቲ ሃገር ናይ ኢትዮጵያ ኮይና።ከምሳዕቤን ናይ`ዚ መግዛእቲ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ብምጅማር ብ24 ግንቦት 1991 ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ኮይና።ናጽነት ኤርትራ ሕጋውነት ክህልዎ ካብ 23-25 ሚያዝያ 1993 ረፍረንደም ብምክያድ፥98.8% ህዝቢ ኤርትራ እወ ንምሉእ ናጽነት ብምድማጹ፥ ናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ተኣዊጁ።

ህዝቢ ኤርትራ ትግረ፥ትግረኛ፥ብሌን፥ሕዳርብ፥ኩናማ፥ናራ፥ ሳሆ፥ራሻይዳን ዓፋርን ብዝበሃላ ነናተ ንቋንቋን ባህልን ዘለወን ንኣብነንሕድሕደን ጽኑዕ ሓድነት ዘለወንን 9 ብሄራት ዝቖመ እዩ። ኤርትራ ክልተ ሃይማኖታት ትውንን፥ ንሳተን ድማ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን እየን።ናይ ኤርትራ መንግስታዊ መስርሒ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን እዮም።

ናይ ኤርትራ ጆግራፍያዊ ኣቃማምጣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፥ 1200 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጸጥታዊ ውሕስነት ዝሰፈኖ ገማ ግም ቀይሕ ባሕሪ ትውንን። ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ ገማግም ባሕሪ ክልተ ጥንታውያን ወደባት ባጽዕን ዓሰብን፥ ከምኡ`ውን ኣብ ጥንታዊ ስልጣኔ`ቲ ከባቢ ዓቢ ተራ ዝተጻወተተን ወደብ ኣዱሊስ ዝሓቖፈ ኮይኑ፥ 350 ዓበይት ንነኣሽቱን ደሴታት ትውንን።ብተወሳኺ ኤርትራ መሬታን ባሕራን ኣየራን ብሰላምን ምርግጋእን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሃገራት`ውን ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ምህላው ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ። ስለ`ዚ ኤርትራ ማእከል ስሕበት ናይ ዓለማዊ ንግድን ዞባናን ክትኸውን ዓቢተክእሎ ኣሎ። ።

ርእሲ ከተማ ኤርትራ ኣሰመራ ኮይና፥ኣብ 2017 ‘A Modernist African City’ ብUNESCO ኣብ መዝገብ ናይ ዓለም ቅርስታት ዝተመዝገበት እያ።

ፖለቲካዊ መስመር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፥ ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ከምመንግስቲ ኤርትራ ሃገር ንምህናጽን ምዕሩይ ማሕበራዊ መሰላት ህዝቢ ንምምላእን ኣብ ልምዓት ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብተወሳኺ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን፡ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን፡ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ዘይነዓቕ ኣሰተዋጸ ኦትገብር ዘላ ሓዳስ ሃገር እያ።ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቐረበ Millennium Development Goals ጸብጻብ፥ ኤርትራ ሓንቲ ካብ`ተን ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ዓቢ ዓወታት ዘመዝገበት ሃገር እያ።

ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ምንጭታት ሕርሻ፥ዓሳን ሃብቲ ባሕሪን፥ማዕድናት፥ ኣገልግሎት ወደባት፥ ወ.ዘ.ተ እዮም።

 
 

ኣምባሳደር ኢስቲፋኖስ ሃብተማሪያም


አምባሳደር

ኣቶ ሳልሕ ዓብደላ


ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስ

ኣቶ ስሌማን ሓሰን


ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት

ኣቶ ያሬድ ተስፋይ


ሓላፊ ሚድያ

ኣቶ. ተወልደ ዮውሃንስ


ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት

Translate »